ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ወተሃደራዊ ሃንደሳ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ገዲም ተገዳላይ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ (ጭኩን)፡ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ብ6 ለካቲት ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ መወዳእታ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብተወፋይነት ዘገልገለን ብኣብነት ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ሓሙስ 8 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ወተሃደራዊ ሃንደሳ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories