ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግባረ መደባት 2017ን ውጥን ስራሕ 2018ን ዘተኰረ ኣኼባ፡ ብ6ን 7ን ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት- ጽሕፈቱ ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም – እቲ ርክብ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ክስራሓሉ ንዝጸንሐ ውጥን ጽላት ትምህርቲ ብምግምጋም፡ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዘገልግል ሓድሽ ውጥን ንምድላው ጽዑቕ ስራሕ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ምህላዉ፡ ፍሉይ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምቊጽጻርን ምምእዛንን መስርሕ ውጥንን ትግባረን ትምህርታዊ መደባት ዘለዎ ተራ ከም ርዱእ ተወሲዱ፡ ኩለን ኣካላት’ቲ ሚኒስትሪ ዘቕርብኦ ገምጋምን ውጥንን፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ክውርጽጽ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ክፍልታት ትምህርቲ ንዓበይትን ሚድያን፡ ቴክኒካውን ሞያውን ስልጠናን ትምህርትን፡ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን፡ ከምኡ’ውን ጨናፍር ኣሕደርቲ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ትምህርታዊ መደባት ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ጸብጻባተን ኣቕሪበን።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ጸብጻባት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ናይ ካልኦት ሚኒስትሪታት ኣብነት ብምውካስ ኣድማዕነቱ ዝረጋገጸሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ኣብ ዞባታት ማእከላት ስልጠና መማህራን ክኽፈቱ፡ ንጹርነት ናይ ስራሕ ምክፍፋልን ገምጋም ኣበርክቶን ኣባላት ክካየድ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ትምህርታዊ መሳለጥያታት ዝግባእ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ንጥፈታት ሚኒስትሪ በቲ ዝግባእ ንምግላጽን ንምንጽብራቕን ብዝሓየለ ክስራሕ እውን ተላብዮም።

Categories