ኣብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ዝተሃንጸ ዘበናዊ ኣብያተ-ፈተነ፡ ተመሃሮ ሕርሻዊ ምርምራት ከካይዱን ዓቕሞም ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበታት ክብ ከብሉን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣብ’ቲ ኮለጅ ሓላፊ ክፍሊ ምውህሃድ ኣብያተ-ፈተነ ዶክተር ብርሃን ኽያር ገሊጹ።

ቤተ-ፈተነ፡ ምስ ምምስራት ናይ’ቲ ኮለጅ ኣብ 2005 ኣብ ጸበብቲ ክፍልታት ብውሱን መሳርሒታት ከም እተጀመረ ዝሓበረ ዶክተር ብርሃን፡ ኣብ 2017 ዝተሰርሐን ምዕቡል መሳርሒታት ዝዓጠቐን 14 ኣብያተ- ፈተነ ዘጠቓልል ሓድሽ ህንጻ፡ ንዝካየድ ምርምራዊ ስርሓት ዓቢ ድርኺት ከምዝፈጠረ ኣረዲኡ።

ኣብ’ዚ ሓድሽን ዘበናውን ህንጻ፡ ናይ ዘራእቲ፡ ጻህያይ፡ ቲሹ ካልቸር፡ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ሓመድ – ኣቃውማኡን ትሕዝቶኡን፡ ስነ-ሓሳኹ፡ ሕማማት ኣትክልቲ፡ ጥዕና እንስሳታትን መግቢ እንስሳታትን ዝኣመሰሉ – ብጠቕላላ 18 ምርምራት ከም ዝካየዱ ዝገለጸ ዶክተር ብርሃን፡ ናይ ስነ-መግብን ባዮ-ተክኖሎጅን ምርምራት ንምጅማር ኣብ መስርሕ ምቅርራብ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።

ቤተ-ፈተነ፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ – ናውቱን ኣሰራርሓኡን ክምዕብልን ክሕይልን ከምዝግባእ ብምምልካት ከኣ፡ ሓደስቲ መሳርሒታት ብምምጻእ በብእዋኑ ዘበናውነት ከምዝህልዎ ምግባር – ኣብ መዳይ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢን ድፍኢት ዝፈጥር ብምዃኑ ዓቢ ግምት ከም ዝወሃቦ ኣረዲኡ። ውሕስነት ጸዓት ኤለክትሪሲቲ፡ ቀመማዊ መሳርሒታትን ካልእ መሰረታዊ ጠለባትን ንምምላእ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብውህደት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

መማህራን ናይ’ቲ ላቦራቶሪ ብወገኖም፡ እቲ ኣብያተ-ፈተነ፡ ተመሃሮ ብክልሰ-ሓሳብ ዝተማህርዎ ብግብሪ ንኽትርጒምዎ ሓጋዚ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ምኽዛን ምሩጽ ኣዝርእቲ፡ ምድቓል ኣዝርእቲ፡ ባህሪያት ሓሳኹን ሳዕቤናቶም ኣብ ሕርሻ፡ ዓይነታት ሓመድን ኣገባብ ኣጠቓቕማኡን፡ ምስ ክሊማን ኣከባብን ዝሳነዩ ኣዝርእቲ ንምምዕባል. . . ክግበር ኣብ ዘለዎ ስራሓት ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ብቐሊል ከም ዘይጥመት ኣብሪሆም።

Categories