ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ናይ ዝጥርነፋ ሽዱሽተ ዓድታት – ምምሕዳራት ከባቢ ሓይነባን ሃዳሙን፡ ብፍግረ-መሬት ዝተባሕጕጐ ከባቢታት ንምፍዋስ፡ ማእቶታዊ ንጥፈታት ኣካዪደን።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሓይነባ ኣቶ ጀማል መሓመድ ሽፋ፡ እቲ ብውሕጅ ዝተባሕጐጐ መሬት፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ ፍወሳ ስለዘይተገብረሉ ዓበይቲ ጋህስታት ከም ዝፈጠረ ብምሕባር፡ እቲ ወፈራ፡ ነዚ ንምፍዋስ ዝሕግዝ – ምስራሕ ከትርታትን ምምድማድ ማይ-ክዖታትን ከምዘጠቓልል ገሊጹ።

ኣብ ሓይነባ እውን፡ ልዕሊ 600 ሰብ ዝተሳተፎ 7 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ጽገና ስለዝተገብረሉ፡ በቲ መስመር ንዝመላለሳ ተሽከርከርቲ ብፍላይ ድማ ኣንቡላንስ ግዝያዊ ፍታሕ ኰይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምስ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዝመሓደራ ምምሕዳራት ከባቢ ሓይነባን ሃዳሙን፡ ሽድሽተ ዓድታት ይጥርንፋ።

Categories