ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ምውጋድ ሃሰይቲ ልምድታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ዝምስገን ስራሓት ከም እተሰላሰለ፡ ብ2 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቢሩ።

ኣደ-መንበር ጨንፈር ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማሕበራዊ፡ ጥዕናዊ፡ ቊጠባዊ፡ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ሸነኻት ኣብ ዝተሰላሰለ መደባትን ውጽኢቱን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ ደቂ- ኣንስትዮ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እውን ብዝለዓለ ክቕጽል ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ኣብ ዝተኻየዱ ምርጫታት ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን፡ ውክልና ደቂ-ኣንስትዮ ትሑት ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጠረለን ዘሎ ዕድላት ተጠቒመን፡ ተሳትፎአን ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ክብ ከብላ ተላብያ።

ተሳተፍቲ፡ ኣስተምህሮ ሕጊ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ኣብ መሪሕነት ማሕበር ንመንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰፊሕ ዕድል ክወሃብ፡ መደብ ውህለላን ንኡስ ልቕሕን ብዝለዓለ ክስራሓሉ ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪበን።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 1016 ጉጅለታት ዝጥርነፋ ልዕሊ 75 ሽሕ ኣባላት ማሕበር ኣለዋ።

Categories