ፖሊስ ዞባ ማእከል፡ ሲቪካዊ ስልጠና ንዝቐሰሙ መንእሰያት፡ ኣብ ምኽልኻል ገበንን ሕግታት ትራፊክን ኣፍልጦኦም ክብ ንምባል – ብ3 ለካቲት ኣብ ሲነማ ኢምፔሮ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ኮሎኔል በየነ ኢሳቕ፡ ዕላማ’ቲ ሰሚናር ብቐንዱ – ድሕነት ሰብን ንብረትን ንምውሓስ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ዝፈጠረሎም ባይታ ትምህርትን ፍልጠትን ተጠቒሞም፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ፖሊስ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

“ንጥፈታት ፖሊስ፡ ብምትሕብባር ህዝቢ’ዩ ኣድማዕነቱ ዝረጋገጽ” ዝበለ ኮሎኔል በየነ፡ ሓሓሊፎም ዝኽሰቱ ገበናትን ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክን ኣብ ህይወትን ንብረትን ዘውርድዎ ሃስያን ክሳራን ከቢድ ምዃኑ ብምሕባር፡ መንእሰያት ንቑሕ ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ጸብጻብ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብዘጋጠመ ልዕሊ 29 ሽሕ ሓደጋታት፡ ኣስታት 500 ሰባት ሞይቶም፡ ኣብ ንብረት ድማ ልዕሊ 300 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ዕንወት ወሪዱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብምውህሃድ ሃማመተኤ ዞባ ማእከልን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲን ዝተወደበን፡ ልዕሊ 3000 ተመሃሮ ዝተሳተፍዎን ንኽልተ ቅነ ዝቐጸለ ሲቪካዊ ትምህርቲ ተዛዚሙ።

Categories