ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብደረጃ ሃገር ዝተወጠኑ ንጸጋታትን ዓቕምታትን ኣብ ግምት ዘእተዉ መደባት ምዕቃብ  ማይን ሓመድን ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝተረኽቦም፡ ብ25ን 26ን ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ዞባታት፡ ክፍልታትን ጨናፍርን ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ኣብ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ልምዓት ብቚሊ፡ ምህርቲ ጸባን ስጋን፡ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ፡ ልምዓት መስኖን ፈተነ ምሩጽ ዘርእን፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ዘተባብዕ ንጥፈታት ከም ዝተተግበረ ኣብ ጸብጻባት ተነጺሩ።

ብሰንኪ ትሑት ዝርግሐን መጠንን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝናብ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዝበዝሓ ዞባታት ኣብ መለሳ መሬት ዝተራእየ ምድንጓያት ተደሚሩ፡ ንእቶታውነት ብኣሉታ ከም ዝጸለዎ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ምፍራይ ቱፋሕ፡ ኩኽን ተምሪን ግና ዝምስገን ስርሓት ከም ዝተሰላሰለ ተገሊጹ።

ንምርምራውን ቊጽጽራውን ስርሓት ብዝምልከት፡ ኣብ ምድላው ሃገራዊ ዝርዝር ዓሌታት ኣእካል ንሓረስቶት፡ ምክያድ መጽናዕቲ ባልዓት፡ ምውጋን ዕለት ተጠቃምነቱ ዝወደቐ ጸረ-ባልዕ መድሃኒታት፡ ምቊጽጻር ናብ ሃገር ዝኣቱ ምህርቲ ሕርሻን ውጽኢቱን፡ ምክትታል ዘይሕጋዊ መድሃኒት እንስሳታትን ምቊጽጻር ጥዕና ብቚሊን፡ ብምርምር ዝተደገፈ ኣድማዒ ስርሓት ከም ዝተዓመ ተገምጊሙ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምሕያል መደባት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምዕዳል ዝተዳቐላ ምሩጻት ናይ ጸባ ከብቲ ንሓረስቶት፡ ምምስራት ክልተ ሜትሪዮሎጂካያዊ ነቚጣታት፡ ሓረስቶት ተመኲሮ ክለዋወጡሉ ዝኽእልሉ ባይታ ምኽፋትን ምትብባዕን፡ ከምኡ’ውን ምዕዳል ውጽኢታውነቱ ብምርምር ዝተረጋገጸ ምሩጽ ኣዝርእቲ ንሓረስቶት፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብ መደባት 2018 ዝጠቓለሉ መደባት ምዃኖም ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝምስገን ስርሓት’ኳ እንተ ተሰላሰለ፡ ገና ዝተረፈ ብዙሕ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ከም ዑደት ኣእካል፡ ንኡስ ውሁድ ስድራ-ቤታዊ ሕርሻ፡ ምድቓል ምሩጽ ኣርሓ ከብቲ ሃገርና፡ ምስሳን ደርሁ ገደና፡ ምፍራይ ጥረታትን ናይ ዘይቲ ኣእካልን፡ ዝያዳ ክድፋኣሎም ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ ዓመት ዘሎ ግዜ፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ብሓፈሻ፡ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ንምግታእ ድማ ብፍላይ፡ ፍተሻን ክታበትን ክካየድ፡ ኣብ መለሳ መሬት ዝርአ ዘሎ ምድንጓያት ፍታሕ ክናደየሉ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውሕጅ ኣብ ሕርሻታት ከቢድ ጕድኣት የውርድ ምህላዉን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ትሕተ-ቅርጺ ክዳሎን፡ ሕጽረት መድሃኒት እንስሳታት ፍታሕ ክርከቦ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

Categories