ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሎጎ- ዓንሰባ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብምሕያል፡ ውጽኢት ተመሃሮ ክብ ንምባል ዝሕግዝ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ዝተሳተፍዎ ርክባት ዝተረኽቡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድላት ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን፡ ብቐንዱ መጻኢ ናይ’ቶም መንእሰያት ንምጥጣሕን ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምስጓምን ዝዓለመ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኮም ብሓፈሻ፡ ስድራ-ቤታት ድማ ብፍላይ ብልዑል ንቕሓት ክደፍኡሉ ኣዘኻኺሮም።

ተመሃሮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝካየድ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ንውጽኢት ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ዘደንፍዕ ምዃኑን ዘለዎም ሕጽረታት ናውቲ ፍታሕ ክናደየሉን ጸዊዖም።

Categories