መስርሕ ምኽፋል ግብሪ መንግስቲ፡ ብመሰረት ዝወጽአ ሰሌዳ ግዜን ደረጃ ከፈልትን፡ ኣብ መላእ ሃገር ብጽፈት ይሰላሰል ከም ዘሎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ኣቶ የውሃንስ ኢሳቕ ሓቢሩ።

“ግብሪ ካብ ካልኦት ናይ ኣገልግሎት ክፍሊታት ፍልይ ዝበለ እዩ” ዝበለ ኣቶ የውሃንስ፡ ብዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ተኣኪቡ – ተመሊሱ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ከም ዝውዕል፡ ካብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣታዊ ዝረክብ ዜጋ ድማ ግብሪ ናይ ምኽፍል ግዴታ ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ። ግብሪ ዘይከፈለ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ግብሪ ኣደዳ መቕጻዕትን ካልእ ስጕምትን ስለ ዝኸውን፡ ዜጋታት ኣብ ግቡእ ግዜኦም ክኸፍሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

“ኣብ ሓደ-ሓደ ጨናፍር ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ኣባላት፡ ግዳይ ሃልኪ ግዜን ጕልበትን ንኸውን ኣሎና” ንዝብል ብኸፈልቲ ግብሪ ዝቐርብ ቅሬታ – ከም ተርእዮ ክህሉ ከም ዝኽእል – ከም’ዚ ከጋጥም እንከሎ እምበኣር፡ ኣብ ግዜኡን ብመርትዖን ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ክወሃብ ተላብዩ።

ኣብ ገለ ጨናፍር፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ተገልገልቲ ምድንጓያት ክርአ ከም ዝጸንሐን ንምእላዩ ብዝለዓለ ደረጃ ይስራሓሉ ከም ዘሎን፡ ናይ ተሓዝቲ ገንዘብ ጸገም ንምፍታሕ እውን፡ መንእሰያት ንምስልጣን ብመደብ ይሰርሑሉ ምህላዎም ኣረዲኡ።

ብዘይናይ ንግዲ ፍቓድ ኣብ ስራሕ ድለላ ዝተዋፈሩ፡ ምስ ውራያት ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ዘካይዱ፡ ገዛ ኣካርዮም ዋጋ ኣትሒቶም ዝነግሩን ካልኦትን፡ ካብ’ቶም “ኣታዊታት እናሃለዎም ግብሪ ክኸፍሉ ዘይጸንሑ” ተባሂሎም ዝተለለዩ ንጥፈታት ምዃኖም ዝሓበረ ኣቶ የውሃንስ፡ ኣድላዪ ስጕምቲ ከም ዝውሰደሎም ኣነጺሩ።

Categories