ሃማመተኤ፡ ሞያዊ ዓቕሚታት መንእሰያት ብምጉልባት ምንጪ ቊጠባዊ እቶቶም ንምውሓስ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – 50 መንእሰያት፡ ንክልተ ኣዋርሕ ብምርባሕ ንህብን ደርሁን ኣሰልጢኑ።

ሰልጠንቲ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐሰምዎ ሞያ፡ ንነፍሲ-ወከፎም ወርሓዊ 400 ናቕፋ ከምእተኸፍሎም ዝሓበረ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ማሕበር ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ደጀን ገብሩ፡ ንስራሕ ዘበግሶም ዐዕስራ ሽሕ ናቕፋ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ እውን ከምዝፍቀደሎም ገሊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መንእሰይ እድሪስ ዑስማን፡ ሰልጠንቲ ቀሲሞምዎ ዘለዉ ሞያ ኣብ ግብሪ ንኽሰርሑሉ፡ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምክትታልን ምትብባዕን ከይፍለዮም ኣዘኻኺሩ።

ተመረቕቲ፡ ካብ ኢድ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጂን፡ ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ኣቶ ዑቕባይ በርሀን ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ርሑቕ ከባቢ ንዝመጹ ተመሃሮ ከም መተባብዒ ብሽክለታታት ተዓዲሉ።

Categories