ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ካብ 1 ለካቲት 2018 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ንዘይመንበሪ ዝካረ ናይ ብሕቲን ናይ መንግስትን ኣባይቲ ዝምልከት፡ ብሃገር ደረጃ ዝስራሓሉ ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣውጺኡ።

ብመሰረት’ዚ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፡ መጠን ክፍሊት ክራይ ብቐንዱ ኣብ ዓቐን ስፍሓት ገዛ ዝምርኰስ ኮይኑ፡ ከተማታት፡ ሓውሲ ከተማታትን ገጠራትን፡ ብዓይነትን ደረጃን ኣባይቲ፡ ትሕተ-ቅርጽን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ስለዝፈላለያ፡ መጠን ወርሓዊ ክፍሊት ክራይ ኣብ ዓሰርተ ናይ ክራይ ዞናት ዝተኸፋፈለ እዩ።

በዚ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ዞን ዝምደቡ ንዘይመንበሪ ዝካረዩ ኣባይቲ ዝለዓለ፡ ኣብ 10ይ ዞን ዝምደቡ ድማ ዝተሓተ መጠን ክራይ ይኽፈለሎም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝካረ ቤት ዝርከብ ክፉት መሬት፡ ክሳብ 500 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ባዶ መሬት ብሕሳብ 4 ናቕፋ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ፡ ካብ 501 ትርብዒት ሜትሮ ንላዕሊ ከኣ ብሕሳብ 3 ናቕፋ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ይቕመር። (ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣብ ገጽ 7 ተመልከት)

Categories