መስርሕ ትግባረ ርእሰ-ውጥን ሓውሲ- ከተማ ኤደን – ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ፡ 75 ሚእታዊት ተዛዚሙ።

እቲ ብምትሕብባር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ዓንሰባ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ሓውሲ ከተማ ኤደንን ነበርትን ዝሰላሰል ዘሎ መደብ፡ ካብ ውጥን ወጻኢ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ምእላይ፡ ጸበብቲ ጐደናታት ምስፋሕን ንመስመራት ኤለክትሪክን ማይን ምቹእ ምግባርን፡ ከምኡ’ውን ከባብያዊ ጽሬት ምውሓስን ሓምላይ ቦታታት ምንጻርን የጠቓልል።

ኣብ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ዓንሰባ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ቅየሳን ካርታን ኢንጂነር በረኸት ምሕረተኣብ፡ እቲ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ቅየሳ፡ ዜጋታት ግቡእን ስሉጥን ኣገልግሎታት ብሓፈሻ፡ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊን ኣምቡላንስን ድማ ብፍላይ ክረኽቡ መሰረታዊ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መስርሕ ቅየሳ፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2018 ክዛዘም ትጽቢት ከምዝግበር ኢንጂነር በረኸት ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ሓውሲ ከተማ ኤደን ኣቶ ዓብዱ ዓማር፡ ነቲ መደብ ብምሉእነት ንምትግባር ዘሎ ቅሩብነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብኢደ-ወነንካ ንዝተገበተ መሬት ንምምላስን ጥሕሰት ሕጊ ንምግታእን ከምኡ’ውን ግብሪ መሬት ብግቡእ ንምእካብ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories