ብቕዓት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽን ንምምዕባልን ብልዑል ኣድህቦ ይስራሕ ከም ዘሎ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ብ22ን 23ን ጥሪ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ገሊጻ።

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ዝተማልአ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከም ዘሎ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣሚና፡ ውሑስን ኣተኣማማንን ኣገልግሎት ንምርግጋጽ፡ እኹላት ሓካይምን ካልኦት ሞያውያን ጥዕናን ናብ ኩሉ ከባቢታት ክዝርግሑ ክኢሎም ከም ዘለዉ፡ ትካላት ጥዕና ዘመናዊ ናውቲ ንምዕጣቐን ድማ ገዚፍ ወፍሪ ይግበር ከም ዘሎ ኣብሪሃ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ንኡስ ዞባታት ዝርከባ ማእከላት ጥዕና ንምምዕባል ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ኣብ ከተማታት ባረንቱ፡ ኣቝርደትን ተሰነይን ዝርከባ ሆስፒታላት ዝህብኦ ኣገልግሎት ብዓይነትን መጠንን ክብ ንምባሉ’ውን ይስራሕ ከም ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ድማ ኣድማዕነተን ንምምሕያሽ ጭቡጥ መደባት ከም ዝትግበር ኣነጺራ።

ብደረጃ ዞባን ንኡስ ዞባን ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ጥዕና ኣደን ህጻንን ንምውሓስን ሸፈነ ክታበት ንምርግጋጽን ዝተኻየዱ ጻዕርታት፡ ሕማም ዓሶ ንምቊጽጻር ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት፡ ከባብያዊ ጥዕና ንምውሓስ ዝተተግበሩ መደባት፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ሕብረተሰብ ብምብራኽ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ንምቊጽጻር ዝተዓሙ ስራሓት ኣድማዕቲ ምንባሮም በሪሁ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ዶክተር ልኡል ባንተይርጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንተራ ህዝብን ናይ ስራሕ መሻርኽትን ድሕሪ ምምጓስ፡ እቲ ምውህሃድ ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ተላብዩ።

ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆሶፊን ናምቡዘ ብወገና፡ ኣብ ኣድማዕነት ናይ’ቲ ዝሰላሰል ዘሎ ጥዕናዊ ንጥፈታት ኣድናቖታ ብምግላጽ፡ ድልውነት ውድባ ንዝበረኸ ሽርክነት ኣረጋጊጻ።

Categories