ኣብ ቐጠርን ጀርመንን ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየድዎ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ውዳበታቶም ኣሐዪሎም ንዓወት ሃገራዊ መደባት ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ጨንፈር ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቐጠር፡ 5ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም፡ ሃገራዊ መደባት ልምዓትን መኸተን ብምልኣት ንኽዕወት፡ ብውህደት ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ትግባረ ዝሕንጸጹ መደባት ቀጻሊ ገምጋም ክግበረሎም ኣዘኻኺሩ።

ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ናይ’ቲ ጨንፈር ክትምረጽ እንከላ፡ ዝውጠን መደባት ብዓወት ንምስልሳል ዝሕግዝ ውሳነታትን ለበዋታትን ቀሪቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ከተማ ከለን ኣብ ዝወደቦ መደብ፡ ኣብ መዓላ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝውዕል 1 ሽሕን 480 ዩሮ ተበርኪቱ።

ኣደ-መንበር ንኡስ ጨንፈር ከለን ወይዘሮ ደሃብ ኢያሱ፡ ንስንኩላን ዝግበር ምድግጋፍ ናይ ሕልና ዕግበት ዝፈጥር ሰናይ ተግባር ምዃኑ ገሊጻ።

Categories