ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣወንጀሊ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ሓመድን ማይን ብምዕቃብ ሕርሻዊ ምህርቶም ንምድንፋዕ፡ ከምኡ’ውን ውሕስነት ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ንምውሓስ በብከባቢኦም ተወዲቦም ወፈራታት የካይዱ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

በዚ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ክዛዘም ብሓያል ኮማዊ ሱታፌ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ዛጊት 147 ሄክታር ተዛልዩ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ኢብራሂም ጅምዕ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ዕለታዊ 200 ጉልበት ሰብ ይሳተፍ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ኢብራሂም፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ውጥን ሒዞም ይነጥፉ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእን ሓድሽ ንምትካልን ብዝተኻየደ ውሁድ ጻዕሪ፡ ሃብቲ ገረብ ብሓፈሻ ጥንታውያን ኣግራብ ድማ ብፍላይ ኣብ ዝምስገን ኩነታት ከምዘሎ’ውን ኣነጺሩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ካብ ከተማ ሓጋዝ ናብ ኣወንጀሊ ዝኣቱ 6 ኪሎ- ሜተር ዝንውሓቱ ንተሽከርከርቲ ኣጸጊሙ ዝጸንሐ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ብህዝባዊ ማእቶት ይጽገን ስለዘሎ፡ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ ኣውቶቡስ ክምድበሎም፡ ኣብ እዋን ማሕረስ ድማ ትራክተራት ብእዋኑ ክመጽእኦም ነበርቲ ሓቲቶም።

Categories