ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ተራ ህዝቢ ኣብ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያታትን ምሕጋዝ ስድራ ስዉኣትን ተሞጒሱ።

ብልዑል ኮማዊ ሱታፌ 3,700 ሜተር ኲብ ከትሪ ከምእተሰርሐ፡ ልዕሊ 41 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ከምእተተኽለ፡ ንስድራ ስዉኣት ኣብ ወቕቲ ማሕረስን ምእካብ ምህርትን ሓገዛት ከምእተገብረ፡ ናብ ዝተፈላለያ ዓድታት ዘእቱ 38 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያታት ከምእተጸገነ. . . ኣብ ዝተገብረ ገምጋማዊ ኣኼባ በሪሁ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ተስፋይ ኣብርሃ፡ ምዕዳል ጤሳ ኣብ ኣውሓ፡ ምስራሕ ዲጋ ኣብ ዳዕሮ-ኲንዓት፡ ምውጻእ ሓደስቲ ጐደናታት ኣብ ከተማ ዓዲ-ዃላ፡ ምዕራይ ካብ ዓዲ- ዃላ ናብ ቤት-ገብርኤልን ዳምባ-ምጭን ዝወስዱ ጽርግያታት – ካብቶም ን2018 ዝተወጠኑ መደባት ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝትግበሩ ማሕበረ-ቊጠባዊ ንጥፈታት – ተሳትፎ ህዝቢ ንኽዓዝዝ፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣነባበርቲ ዓድታትን ክዓቢ ድማ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ምጽጋንን ምህናጽን ሜዳ ስፖርት፡ ትካል መሕረዲ ከብቲን ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪን፡ ከምኡ’ውን ምውሓስ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ቀዳምነት ክወሃቦ ተላብዮም።

ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ዝጥርነፍ ኣስታት 98 ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ።

Categories