ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ)፡ ኣብ መቓን ናይ’ቲ ምስ ሃገራዊ መደባት ልምዓትን መኸተን ተሳንዩ ዝወጸን ክሳብ 2021 ዝዝርጋሕን ናይ 5 ዓመታት ስትራተጂካዊ ውጥን ምርኲስ ብምግባር፡ ኣብ 2017 ዝዓመሞ ንጥፈታት ብምግምጋም፡ ናይ 2018 ውጥን ስራሕ ሓንጺጹ።

ኣብቲ ብ20ን 21 ጥሪ ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ – እምባትካላ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንፖለቲካዊ ንቕሓትን ውዳበን፡ ጥዕናውን ማሕበረ-ባህላውን መደባት፡ ሞያዊ ስልጠናታትን ናይ ልቓሕ ዕድላትን፡ ማእከላት መንእሰያት፡ ተራ ኮምን መሻርኽትን ኣብ መደባት መንእሰያት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት. . . ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡ ተዘትዪሉ።

ድሕሪ ዘተ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ተሳታፍነትን መንእሰያት ንምዕባይ ክካየዱ ዝጸንሑ መደባት ብዝሓየለ ክቕጽሉ፡ ኣብ ኮለጃት ዝተጀማመረ ስልጠና ካድር ክድፋኣሉ፡ ፈስቲቫል ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ – ደረጃን ብቕዓትን ተመሃሮ ኮለጃት ብዘንጸባርቕ መገዲ ክዳሎ፡ ኣብ ሳዋ ዝካየድ 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ምስ መኸተ ልምዓት ተወሃሂዱ ብዝለዓለ ክስራሓሉ፡ ሞያዊ ስልጠናታት ዝቐሰሙ መንእሰያት ናብ ዋኒን ዝሰጋገሩሉ ኣገባባት ክተኣታቶ. . . ዝብሉ፡ ኣብ 2018 ብልዑል ኣተኲሮ ክስራሓሎም ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ንኣድማዒ ውጽኢት ኣብ መንእሰያት ውሁድ ወፍሪ ክካየድ ብምዝኽኻር፡ ተራን ኣበርክቶን ሕብረተ- ሰብ ብሕልፊ ድማ ናይ ስድራ-ቤታት ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ማሕበር ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ስድራ-ቤትን ኮምን ኣተኲሮ ገይሩ ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories