ነበርቲ ባዳ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ “ሳላ ዝተጠርነፍና ናይ ቀረባ ተጠቀምቲ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክንከውን በቒዕና” ክብሉ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ፡ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ክሳብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ መደበር ጥዕናን ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይን ስለዝተዋደደሎም፡ ፋሕ ኣብ ዝበላ ቊሸታት ዝጸንሐ ህዝቢ ክጥርነፍ ከም እተተባብዐ ሓቢሮም።

ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ልዕሊ ኩሉ ጾር ደቂ-ኣንስትዮ ከምዘፋዀሰ ዝጠቐሱ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብመደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መሃይምነት ከጥፍኣ ዕድል ከምዝረኸባ እውን ኣረዲኦም።

ኣገልግሎት ጥዕና ንምስፋሕ ሓድሽ ህንጻ ክስራሕ ምጅማሩ እውን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ምምሕዳር ከባቢ ባዳ፡ ልዕሊ 11 ሽሕ ነበርቲ ዘለዉዋ ሓንቲ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ገለዓሎ ኮይና – ንዓድታት ኢረምለ፡ ቦለሊ፡ ልዒን-ባዳን ሲሙቲን ትጥርንፍ።

Categories