ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ግላስ፡ ኣሸራ፡ ዓድ- ኣረይ፡ ሸበቕን ዓድ-ዑመርን፡ ናብ ዓዶም ዘእቱ 45 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ ናይ ምጽጋን ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ካልኣይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ዕማም፡ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ግላስ ተበጊሱ፡ ብኣሸራን ዓድ-ኣረይን ኣቢሉ ንሸበቕን ዓድ-ዑመርን ሓሊፉ ደምበ ዓዲ ጸጋይ ዝበጽሕ’ዩ።

እቲ ስራሕ፡ ብውሕጅ ዝተሸርሸረ ምጽጋንን ምምድማድን፡ ከምኡ’ውን ምግፋሕ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ 80 ሚእታዊት ከምእተዛዘመ፡ ነቲ ወፈራታት ዝመርሑ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ገሊጾም።

ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት ዝስራሕ ዘሎ ከትርታትን ዛላታትን እውን፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ክቕጽልዎ ምዃኖም ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ መደበር ጥዕና ከርመድ፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን ሓራሳትን ብህዝባዊ ወፈራታት ይህነጽ ከምዘሎ እውን ተፈሊጡ።

Categories