ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላ- ነፍሒ ኣብ ዝርከባ ዓድታት እምበይቶን ዓዶምዘማትን፡ ብ13ን 15ን ጥሪ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር መሬት ኣቶ መንግስ ሃብተጽዮን፡ ብመሰረት’ቲ ኣብ 2014 ብሚኒስትሪ መሬት ማይን ኣከባብን ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብ እምበይቶ 136 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 514፡ ኣብ ዓዶምዘማት ድማ 192 ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከባኦም 508 ግቡኣቶም ዘማልኡ ሰብ መሰል ከምእተዓደሉ ገሊጹ።

ኣቶ መንግስ፡ ዓድታት ላጔን፡ በለዛ፡ ዓደርዓዳ፡ ጻዕዳ-ክርስትያን፡ ኳዜን፡ ዓደባኾዃይ፡ ዓዲገብሩን ዑናጉዶን እውን ዘድሊ ቅጥዒ ኣማሊአን ስለዘለዋ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ክዕደል ምዃኑ ብምሕባር፡ እተን ካልኦት ዓድታት ገለ ኣብ መስርሕ ምጽዳቕ ውጥን፡ ገለ ድማ ኣብ ምምላእ ዘድሊ ቅጥዒ ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

Categories