Author - Staff

ግብሪ ኣብ እዋኑ ክኽፈል ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣዘኻኺሩ

ግብሪ፡ ብመሰረት ዝወጸን ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተዘርግሐን ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣብ እዋኑ ክኽፈል ከምዝግብኦ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣዘኻኺሩ። ብመሰረት ኣሰራርሓ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ግብሪ እቶት ንግዳዊ ንጥፈታትን ንግዳዊ ሕርሻን ኣብ ሰለስተ ተመዲቡ ዝኽፈል ኮይኑ፡...

ንጥፈታት ‘ምዕራባዊ ዞባ መኸተን ልምዓትን’ ተገምጊሙ

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ መኸተን ልምዓትን፡ ኣብ 2017 ብውህደት ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ ኩባንያታት ህንጻ ሰገንን ብድሆን፡ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል፡ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን፡ ምምሕዳር ዞባን ካልኦት ኣካላትን ንዝተሰላሰለ ስርሓት ዝገምገመን ኣብ መደባት ስራሕ...

ኣብ ሰረጀቓን ድባርዋን ኣብ መደባት ልምዓት ተዘትዩ

ኣብ ንኡስ ዞባታት ሰረጀቓን ድባርዋን፡ ን2018 ዓ.ም. ተወጢኑ ኣብ ዘሎ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዝዘተየ ርክባት ተኻዪዱ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ህዝብን ምምሕዳርን፡ ኣብ ትምህርቲ ዝነበረ ሕጽረታት ብምቅላሉ፡ ምክትታል ወለዲን ተገዳስነት...

እምኒ-ሓይሊ – መደባት ልምዓት ነበርቲ የተባብዕ

ነበርቲ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ብምውህሃድ ህዝብን መንግስትን ኣብ ከባቢኦም ዝሰላሰል ዘሎ ዓበይቲ መደባት ልምዓት፡ ንህይወቶም ብእወታ ከምዝጸለዎ፡ ምስ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ገሊጾም። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣቶ ብርሃነ መንገሻ ኣብ...

ዋና ጸሓፊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ቃለ-ቡራኬ ሂቦም

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ – ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ- ክርስትያን ኤርትራ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ንመእመናን ቃለ-ቡራኬ ሂቦም። ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ቡራኬኦም፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ መእመናን፡ ኣብ ምሕላው ወሰናስን ሃገርን...

ደቡብ – ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ይወሃብ ኣሎ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ብጉድለት ጽሬት ከባቢ ዝስዕቡ ሕማማት ንምቊጽጻር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከባቢ ኣስተምህሮታትን ስልጠናታትን ይህብ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ከባቢ – ኣቶ መሓመድ መሓመድ-ሳልሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ...

ገለልዕንደ – ተመሃሮ ጥርናፈ ዓድታት ክድፋኣሉ ይሓቱ

ኣብ ገለልዕንደ – ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝረአ ዘሎ ትሑት ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ብፍላይ ናይ ደቂ- ኣንስትዮ ክተባባዕ፡ ጥርናፈ ዓድታት ክድፋኣሉ ተመሃሮ ጸዊዖም። እቶም ተመሃሮ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ ብፍላይ ድማ ናይ ደቂ...

ባረንቱ – ኣብ ብቕዓት ትምህርቲ ዝዘተየ ርክብ ተኻዪዱ

ብቕዓቱ ዝሓለወ ስርዓተ-ትምህርቲ ብምርግጋጽ ኣድማዕነት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምውሓስ፡ ተመላላኢ ጻዕሪ ክካየድ ከምዘድሊ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ከተማ ባረንቱ ምስ ኣመሓደርቲ...

እስራኤል – ኤርትራውያን ተሳትፎኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት የዕዝዙ

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ተልኣቪቭን ከባቢኣን – እስራኤል፡ ተሳትፎኡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ከምዘደንፍዕ፡ ብ30 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣረጋጊጹ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ-እስራኤል፡ ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ሎሚ ህዝብን መንግስትን...

ከረን – ተራ ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ተዘትዪሉ

ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ተገዳስነት ብምብራኽ፡ ኣብ ደቆም ዕቱብን ቀጻልን ምክትታል ምስ ዝገብሩ፡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮ ርኡይ ዕብየት ክምዝገብ ከምዝኽእል፡ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ተገሊጹ። ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ ምስ ኣመሓደርቲ...

Login

Categories