Author - Staff

ከረን – ንቕሓት ኣብ ልግሲ ደም ንምዕባይ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ከተማ ከረን፡ ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ ኣብ ወለንታዊ ልግሲ ድማ ብፍላይ ንዘሎ መረዳእታ ንምዕባይ ዝሕግዝ ኣተምህሮ ተዋሂቡ። ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ መምህር መብራህቱ ጥዑማይ፡ እቲ ማሕበር ዝያዳ ኣብ ተመሃሮ ኣተኲሩ...

ኣስመራ – ኮማዊ መዘናግዒ ማእከል ‘ኬርታ’ ተመሪቑ

ኣብ ከተማ ኣስመራ – ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ብኣስታት 9.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ኮማዊ መዘናግዒ ማእከል – ‘ኬርታ’፡ ብ30 ታሕሳስ ተመሪቑ። እቲ ብኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ዝተመረቐ ማእከል፡ መሰረታዊ...

ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብውዳበታት ህግደፍ ኣድማዒ መደባት ተተግቢሩ

ጨናፍር ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን፡ ኣብ 2017 ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ምሕያል ውዳበን ኣተኲሮም ዝተሰላሰሉ መደባት ዕዉታት ምንባሮም ገምጊሞም። ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ምምልማል ካድራትን፡ ምስ ምምሕዳራት ብምውህሃድ ኣብ ወፈራዊ...

ፎሮ – ኣልማዕቲ ጀራዲን ኣተባባዒ ፍርያት ይረኽቡ

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ሮብሮቢያን ፋጡማ ዓረን፡ እቶታውነቶም ንምዕባይ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣተባባዒ ፍረ ይረኽቡሉ ከምዘለዉ ገሊጾም። እቶም ዜጋታት፡ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝወሃቦም ኣስተምህሮን ምኽሪን ከምኡ’ውን ዝግበረሎም ደገፍ፡ ኣብ ዘሰላስልዎ ንጥፈታት ዓቢ...

ድገ – ዕዉት መደብ ምጥርናፍ ዓድታት ተሰላሲሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ፡ ኣብ ዓመተ-2017 ዕዉት ምጥርናፍ ዓድታትን ወፈራዊ ስራሓትን ከምእተኻየደ ተገሊጹ። ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ህንጻኣብ ወልዱን ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ስምኦን የማነን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ምጥርናፍ ዓድታትን፡...

ኣባላት ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ልምዓታውን ታሪኻውን ቦታታት ተዓዚቦም

ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ካብ 21 ክሳብ 29 ታሕሳስ፡ ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ንዝርከብ ልምዓታውን ታሪኻውን ቦታታት ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዶም። እቲ ዑደት፡ ጋሕቴላይ፡...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ‘ሰናይ ምንዮቱ’ ገሊጹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነት ሃገርን መደባት ልምዓትን ተዋፊሮም ንዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንኣዕሩኽን ፈተውትን ኤርትራ ‘ሰናይ ምንዮቱ’ ገሊጹ።...

ሃይኮታ – ዕዉት ምድልዳል መሬት ሕርሻ ተሰላሲሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ኣብ ምድልዳል መሬት ክረምታዊ ሕርሻ ኣድማዒ ስራሕ ከምዝተዓመ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብ26 ታሕሳስ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ብመሰረት ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተተግበረ መደብ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ነበርቲ ናይ ሕርሻ መሬት ከምዝተዓደሉ፡...

Login

Categories