ኣብ ንኡስ ዞባታት ሰረጀቓን ድባርዋን፡ ን2018 ዓ.ም. ተወጢኑ ኣብ ዘሎ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዝዘተየ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ህዝብን ምምሕዳርን፡ ኣብ ትምህርቲ ዝነበረ ሕጽረታት ብምቅላሉ፡ ምክትታል ወለዲን ተገዳስነት ተመሃሮን ክብ ብምባሉ፡ ዋሕዲ መማህራን ፍታሕ ብምርካቡ – ኣብ ገስጋስ ትምህርቲ ለውጢ ከምዝተራእየ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ 2018 ብዝሓየለ ክድፋኣሉ ተወሲኑ።

ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምዕባይን ከባቢያዊ ጽሬት ንምውሓስን ዝተገብረ ወፍሪ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዝትረኽቦ፡ ዓድታትን ቊሸታትን ብናይ ሓመድ ጽርግያ ክራኸባን ህዝቢ ተጠቃሚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክኸውንን ከምዝበቕዐ፡ ኣስታት 250 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ከምዝተተኽለ. . . ተሓቢሩ።

እዚ መደባት፡ ኣብ’ዚ ዓመት እውን ብዝሰፍሐ ክስራሓሉ፡ ምትሕብባር ህዝብን ምምሕዳራትን ክዓዝዝ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፉ ፍስሃጼን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ኣኼባ፡ መለሳ መሬት ሕርሻን ምዝርጋሕ መስመራት ማይን ዘጠቓልል ዕዉት ስራሕ ከምዝተዓመ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ተካ ገሊጹ።

ተመሃሮ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ንዘርኣይዎ ተሳትፎ ድሕሪ ምምጓስ ድማ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝበለጸ ኣወዳድባ ክድፋኣሉ ተላብዩ።

Categories