Author - Staff

ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን -ኦሮታ 677 ተመሃሮ ኣመሪቑ

ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ ትማሊ 24 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት፡ 60 ብማዕርግ ዶክተሬት፡ 13 ብማስተርስ፡ 207 ብቐዳማይ ዲግሪ፡ 397 ድማ ብዲፕሎማ – ካብኦም እተን 41 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ 677 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ተመረቕቲ፡...

ኮሎኔል ሓይልኣብ ኢሳቕ ተሰዊኡ

ኣባል ሚኒስትሪ ምክልኻል እዚ ምዕራብ – ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ሓይልኣብ ኢሳቕ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ...

ነበርቲ ግዝግዛ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይሓትቱ

ነበርቲ ግዝግዛ – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ኣብ ከባቢኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዘይምህላዉ – ጠንቂ ምቁራጽ ደቆም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ይኸውን ከምዘሎ ብምምልካት፡ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ክኽፈተሎም ተማሕጺኖም። ንኩነታት ትምህርቲ ኣብቲ...

ቤት-ፍርዲ ሆላንድ፡ ንከንቲባ ከተማ ቬልድሆቨን ይቐጽዕ

ከንቲባ ከተማ ቬልድሆቨን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብታ ከተማ ክካየድ ተመዲቡ ንዝነበረ መበል 13 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ብምእጋዱ – ንዝቐረበ ክሲ ክርኢ ዝጸንሐ ቤት-ፍርዲ ሆላንድ፡ ብ21 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ውሳነ፡ እቲ ስጒምቲ...

ሚ/ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ትምህርቲ ዘተኰረ ስልጠና ወዲቡ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ትምህርቲ ዘተኰረ ናይ 10 መዓልታት ስልጠና ሂቡ። ኣብ’ቲ ካብ 12 ክሳብ 22 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብ ማእከል ቴክኒካዊ ትምህርቲ፡ ማእከል ሞያዊ ስልጠና፡ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከላይ ቤት...

ቻይናውያን ሞያውያን ጥዕና፡ ናይ መፋነዊ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱሎም

ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ናጻ ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ 15 ቻይናውያን ሞያውያን ጥዕና፡ ናይ ሓደ ዓመት ኣገልግሎቶም ዛዚሞም መፋነዊ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱሎም። ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል እምባሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና...

Login

Categories