ኤርትራ፡ ካብ 5 ክሳብ 9 ሰነ ኣብ ጅዳ – ስዑድያ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ መበል 32 ዋዕላ ኮሚሽን ምቊጽጻር ኣንበጣ ምድረ-በዳ ማእከላይ ዞባ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መበል 36 ኣኼባ ፈጻሚ ኮሚተ ናይ’ቲ ኮሚሽን ትሳተፍ ኣላ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ምቊጽጻር ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም፡ ኤርትራ ንእትኽተሎ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ፣ እተካይዶ ናይ ምቊጽጻር ስራሓትን ኣማራጺታትን፣ ንውህደት ኣካላት መንግስትን ህዝብን ናይ ልምዓት መሻርኽትን ዝምልከት ኣብሪሁ ሂቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኤርትራ – ንዝኣተወቶ መብጽዓ ኣብ ምትግባር፣ ሕብረተሰብ ኣብ ምጒስጓስ፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2019ን 2020ን ኣብ ምሕደራ መደባት ምጥፋእ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ንዘርኣየቶ ዕቱብነት ንኢዶም።

እቲ ዋዕላ፡ ኣብ ቴክኒካውን ምሕደራውን ዛዕባታት፣ ዓቕሚ ኣባል ሃገራት ንምምሕያሽ ዝተቐስመ ተመኲሮ፣ ክሊማዊ ለውጥን ጽልዋኡ ኣብ ለበዳ ኣንበጣን፣ ተራ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣብ ምድህሳስ ኣንበጣን መስርሕ ምክትታሉን ምቊጽጻሩን፣ ኣገዳስነት ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ኣካላት – ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ይዝቲ ኣሎ።

ኮሚሽን ምቊጽጻር ኣንበጣ ምድረ-በዳ ማእከላይ ዞባ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓንቀጽ 14 ቅዋም ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO)፡ ኣብ 1967 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕማሙ – ምሕጋዝ ኣባል ሃገራት፣
ምክልኻል ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ፣ ሓደጋታት ኣንበጣ ምድረ-በዳ ንምግታእ ድልውነት ምዕዛዝ የጠቓልል።

16 ኣባል ሃገራትን ሓንቲ ተዓዛቢትን ዝሳተፋኦ ኣኼባ ፈጻሚት ኮሚተ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክልተ ዓመት ይካየድ።

Categories