ብምኽንያት 15 ግንቦት – ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ማእከል ናይ ምግራብን ምክንኻን ኣግራብን ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ጨንፈር በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ፡ ምምሕዳራት፡ ተመሃሮ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ማሕበራትን ኩባንያታትን፡ ካብ 11 ክሳብ 15 ግንቦት ኣብ ምዅስኳስን ምክንኻንን ኣግራብ፣ ምትካል ፈልሲታት፣ ከምኡ’ውን ምስራሕን ምጽጋንን ዛላታት እጃሞም ከበርክቱ ብዝቐረበ ጻውዒት መሰረት፡ ትማሊ 13 ግንቦት – ነበርቲ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኣስመራን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዝተሳተፍዎ ወፈራታት ከምእተሰላሰለ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ዓመት ንዝተተኽለ ኣግራብን ኩነታቱን ብዝምልከት፡ 80 ሚእታዊት ናይ’ቲ ዝተተኽለ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፈልሲታት ከምዝጸደቐ፣ ብሃገራውያን ማሕበራትን ካልኦት ኣካላትን ዝተተኽለ ኣግራብ ድማ – ብዝግበረሉ ዘሎ ምክትታል ኣብ ባይታ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዘርኣየ ኣብሪሁ።

ሎሚ ዓመት ክራማት ዝትከል ልዕሊ 2 ሚልዮን ፈልሲታት ኣግራብ፡ ኣብ 9 መደበራት ተዳልዩ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ኣብ ሰለስተ ናይ ገጠር ንኡሳን ዞባታትን ከባቢታት ኣስመራን፡ ሰፊሕ ወፈራዊ ማእቶት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories