ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብ7 ግንቦት ንኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣቶ የማነ፡ “ኣበይ ኣለና፣ ናበይከ ንኸይድ ኣለና?” ዝብል ዛዕባ ብምልዓል ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት – ብዘይሩፍታ ኣብ ምርጋግጽን ምዕቃብን ናጽነት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምምካት ኣድልዎን ተጻብኦን ሓያላት ሃገራት ተጸሚዶም ምጽንሖም ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ብቑጠባ ክትብልጽግን ንዜጋታታ ምቹእ ናይ መነባብሮ ሃዋህው ከተዋድድን ዘኽእል ረቛሒታት እኳ እንተለዋ፡ ሃገራዊ ሰላማክዘርግ ዝኽእል ስግኣታት ንሓዋሩ ከይተወገደን ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ከይተረጋገጸን ክሰምር ስለዘይክእል፡ ስግኣታት ምውጋድን ዞባዊ ሰላም ምርግጋጽን ቀዳምነት ተዋሂቡ ዝስራሓሉ ዘሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ገስጋስን ብልጽግናን ሃገራትን ሕብረተሰባትን ብመንግስታት ጥራይ ዝዕመም ከምዘይኰነ ዝሓበረ ኣቶ የማነ፡ ተራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዜጋ ወሳኒ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መስገደላትን ብድሆታትን ስደት ብምስጋር ሃገራዊ ጥምረቶም ከሐይሉ፣ ከምኡ’ውን ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣቐዲሙ እውን፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንንፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲትን ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ትምህርታውን ቁጠባውን ዓቕምታቶም ከዕብዩን ስድራቤታት ክዕንግሉን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ንዕድላት ወፍሪ ኣብ ኤርትራ፣ ኩነታት ዞባናን ናይ መጻኢ መደባት መንግስትን ዝምልከት ሕቶታትን ርእይቶታትን ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቶምን መሪሕነቱን ዘለዎም እምነት ብምንጻር፡ ካብኣቶም ዝሕተት ንምምላእ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories