ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን – ገዲም ተጋዳላይ ሕሩይ ኣስጎዶም ወልደማርያም፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ3 ግንቦት ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ሕሩይ ኣስጎዶም፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ዝተፈላለያ ክፍልታት ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምምራሕን ብምውህሃድን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብብቕዓትን ተወፋይነትን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ሕሩይ ኣስጎዶም ወልደማርያም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስዉእ ሕሩይ ኣስጎዶም፡ ትማሊ ረቡዕ 4 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብመስዋእቲ ኣባሉ ገዲም ተጋዳላይ ሕሩይ ኣስጎዶም ወልደማርያም ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

Categories