ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ 16 ተመሃሮ፡ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዋሂቦም።

ብ17 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ተስፋኣለም ኣብርሃ፡ እቲ ሽልማት ንኣብነታውያን ተመሃሮ ኣፍልጦ ብምሃብ ንዝለዓለ ውጽኢት ዘተባብዕ፣ ንመማህራንን ወለድን ድማ ሞሳ ዝህብን ድርኺት ዝፈጥርን ምዃኑ ብምሕባር፡ ተሸለምቲ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 2ይ ደረጃ ተመሳሳሊ ውጽኢት ንምምዝጋብ ጻዕሪታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ገብረመስቀል ድማ፡ ሃማመተኤ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ መንእሰያት ብቑዕ ሞያ ንኽዓጥቁ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንፉዓት ተመሃሮ ምሽላሙ – ኣብ ካልኦት እወታዊ ጽልዋ ዝፈጥር ብምዃኑ ክድፋኣሉ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ ዝሰልጠና 28 ደቂኣንስትዮ ተመሪቐን።

Categories