ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ካብ ዝርከባ 96 ዓድታት፡ እተን 67 ኮም ዝመርሖ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ብምልኣት ከምዘተግበራ ተገሊጹ።

እዚ ዝተሓበረ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ግንዘቦ፡ ደቂ-ሌፋይ፡ ጎበለን ለጎ-ሳርዳን ዝርከባ 10 ዓድታት ዝፈጸማኦ ስራሕ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እዩ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ጸሃየ የዕብዮ፡ እተን ዓድታት ንዘርኣያኦ ዕቱብነት ብምንኣድ፡ ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ ዝካየድ ጻዕሪ ክቕጽል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ብምልኣት ንምትግባር፡ ህዝቢ ብዝለዓለ ክዋሳእ ተላብዮም።

Categories