ጥሕሰት ሕጊ መሬት ንምግታእ፡ ኩሎም ኣካላት – ኣብ ትግባረ ኣዋጃትን ሕጋጋትን ብንጥፈት ክዋስኡ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቲቱ።

እቲ – ኣመሓደርቲ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ መሻርኽቲ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ እናሳዕረረ ንዝመጽእ ዘሎ ጥሕሰት ኣዋጃትን ሕጋጋትን መሬት፡ ሕጋዊ ኣገባብ ብምኽታል መአረምታ ክግበረሉ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕን፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ንዝነጥፉ ኣካላት ንምብርባርን ዝዓለመ ነይሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ሓላፊ ጨንፈር መሬት ኣቶ ጸጋይ ተኣምራት፡ መሬት ናይ መንግስቲ ምዃኑ ኣብ ኣዋጅ ቊጽሪ 58/1994 ከምኡ’ውን ካልኦት ኣዋጃትን ሕጋጋትን ብንጹር ዝሰፈረ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንመንበሪን ሕርሻን ተባሂሉ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ መሬት ክግበት ከምእተስተብሃለ፡ ልሕሉሕ ምቊጽጻር ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ነቲ ተርእዮ ከምዘሳዕረሮ ኣረዲኡ።

ተርእዮ ጥሕሰት ሕጊ መሬት ንምግታእ በብእዋኑ ኣራሚ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ዝሓበረ ኣቶ ጸጋይ፡ ብኣጋ ሕጋዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ከምዝሓላልኾ ኣገንዚቡ።

ኣዋጃትን ሕጋጋትን መሬት ብምልኣት ንምትግባር፡ ዕቱብ ስራሕን ውህደትን ናይ ኩሎም ኣካላት ከምዝሓትት ድማ ኣስሚሩሉ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ናይ’ቲ ዞባ ብኢደ ወነንካ ዝግበት ናይ መንበሪን ሕርሻን መሬት፡ ድምር ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ እዋኑ ሕጋዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣፍዓበት፡ ጊንዳዕ፡ ሽዕብን ካልእ ከባቢታትን ናይ ምቊጽጻር ስራሓት ተበጋጊሱ ምህላዉ ሓቢራ።

Categories