ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳን ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ምክትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ኣባል ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል ሸምሰዲን ካባሺን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፣ ከምኡ’ውን ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳንን ዓበይቲ ዓድን ሰፊሕ ርክባት ኣካዪዱ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ’ቲ ዘተ፡ ኤርትራ – ነቲ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ፍታሕ ንምምጻእ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪን ዝኽተሎ መንገድን ከምእትድግፍ፣ ከምኡ’ውን ህዝቢ ሱዳን – ሃገሩ ናብ ሰላም፡ ርግኣትን ሓድነትን ዝወስድ መንገዲ ንምጥጣሕ ዓቕሚን ብቕዓትን ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክባት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ተረኺቡ ነይሩ።

Categories