ኣብ ትሕቲ-ዕድመ ተመሃሮ ዘጋጥም ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምስማዕ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ትምህርቶም ካብ ምክትታል ዘሰናኽሎም ሕማማት ብኣጋ ንምልላይን ንምፍዋስን፡ ወለዲ ኣብ ምክትታል ጥዕና ደቆም ትኲራት ክዀኑ ሞያውያን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ኣወሃሃዲት መደብ ክትትል ጥዕና ተመሃሮ ሲስተር ለተብርሃን ዓንደሚካኤል፡ ተመሃሮ ብሰንኪ ናይ ዓይኒን እዝኒን ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ሕማማት ጎሮሮ፡ ኣፍንጫን ኣስናንን ካብ ትምህርቶም ከይሰናኸሉ – ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ብምሕባር፡ ወለዲ ነዚ ብግቡእ ተገንዚቦም፡ ጸገማት ደቆም ብኣጋ ከለልዩን ኣብ ሕክምናኡ ክተሓባበሩን ኣዘኻኺራ።

ካብ 2010 ክሳብ 2020፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ተመሃሮ ናይ ዓይኒ መርመራ፣ ልዕሊ 41 ሽሕ ናይ ኣስናን፣ ኣስታት 21 ሽሕ ድማ ናይ እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጎሮሮን መርመራ ከምእተገብረሎም ዝጠቐሰት ሲስተር ለተብርሃን፡ ን3,396 ተመሃሮን 2,205 መማህራንን መነጽር ከምእተዋህቦም፣ 24 ሽሕ ተመሃሮ ዝተባላሸወ ኣስናን ከምእተኣልየሎም፣ 2,500 ተመሃሮ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ከምእተላእኩ፣ ንልዕሊ 773 ሽሕ ተመሃሮ ድማ ኮልጌትን ብራሽን ከምእተዓደለ ገሊጻ።

ሲስተር ለተብርሃን፡ ወለዲ ደቆም ኣብ ዝበልዕዎ ሽኮራዊ ነገራት ኣዝዮም ክጥንቀቑ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ከባቢኡን ዝሽየጥ ሽኮራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ኣብ ምውጋድ፡ ወለድን
ኣብያተ-ትምህርትን ክተሓባበሩ ተላብያ።

Categories