ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝርአ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ኮሚተ ወለዲ ዝተሳተፍዎ ዘተ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሓሪ ተሾመ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝርአ ቀንዲ ጸገማት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኮሚተ ወለዲ ንምቅላሉ ዝሕግዝ መፍትሒ ሓሳባት ከቕርቡን ኣበርክቶ ክገብሩን ኣዘኻኺሩ።

ብ መንጎ ኣብያተ-ትምህርትን ኮሚተ ወለዲን ዘሎ ርክብ ምሕያል፡ መሰረታዊ ረቛሒ ንምምሕያሽ ብቕዓት ትምህርትን ምሕደራ ኣብያተትምህርትን ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ንምሕያሉ ከምዝስራሕ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ንትምህርታዊ መዓላ ተባሂሉ ዝእከብ ገንዘብ፡ መዓላኡን መስርሕ ዕድግን ዕቱብ ቁጽጽር ክግበረሉ፣ መምህራን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝቕየሩሉ ግዜ ከይነውሕ ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ድሕሪ ምቕራብ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

Categories