ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ ሕጊ ትራፊክ ብምዕባይ ሓደጋታትን ሳዕቤናቶምን ንምክልኻል ብዘካይዶ ዘሎ ዕማም፡ ብ13 ሚያዝያ ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ባጽዕ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣዛዚ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ሜጀር ንርኣዮ ጸጋይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ተጠቀምቲ ጽርግያ፡ ሓደጋታት ትራፊክ እናነሃረ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ተመሃሮ ድማ ቀንዲ ግዳያት ይዀኑ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ምብራኽ ርድኢትን ንቕሓትን ኣገዳሲ ረቛሒ ንድሕነት ከምዝዀነ ገሊጹ።

ሓላፊ መርመራ ሓደጋ ኮርፖራል ኢሳይያስ ብርሃነ ድማ፡ መስመርካ ዘይምሕላው፣ ልዕሊ ዓቐን ፍጥነት፣ ርሕቀትካ ዘይምሕላው፣ ተጐራቢትካ ምኻድን ካልእን ገለ ካብ’ቶም ብተመሃሮ ዝርኣዩ ንሓደጋ ዘቃልዑ ጉድለታት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ንድሕነቶም ክብሉ ጥንቁቕ ኣካይዳ ከዘውትሩ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዋሕዲን ዘይምትካእን ታቤላታት ትራፊክ ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት፣ ዘይምሕዳስ መስገሪ ኣጋር መገዲ፣ ከምኡ’ውን ቴለፎን እናተዛረብካ ማኪና ምምራሕን ክቱር ናህሪን፡ ገለ ካብ’ቶም ቀንዲ ጠንቅታት ሓደጋታት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዘሎ ክሳራታት ንምግታእ፡ ምስ ፖሊስ ትራፊክ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories