ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ግብሪ መሬትን ልቸንሳን ዝኸፍሉ ወነንቲ ትካላትን ኣባይትን፡ ዕዳኦም ብኣጋ ከጻፍፉ ጸዊዑ።

ሓላፊ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪን ቀረጽን ዞባ ማእከል ኣቶ ሃብተ የዕብዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 2003 ከይከፈሉን ንዝጀመርዎ መስርሕ ምስራዝ ልቸንሳ ከይዛዘሙን ዝጸንሑ ወነንቲ ትካላትን ኣባይትን፡ ንመቕጻዕቲ ተቓሊዖም ስለዘለዉ፡ ካብ ዘይተደልየ መቕጻዕቲ ንምድሓን፡ ከፈልቲ ግብሪ መሬትን ልቸንሳን ዝግብኦም ዓመታዊ ክፍሊት ኣብ ግዜኡ ከደቅሱ ተላብዩ።

ቀንዲ ስራሕ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ምቕባል ክፍሊት ግብሪ መሬትን ልቸንሳን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብተ፡ ውህሉል ዕዳ ዝጸንሖም ነበርቲ ብመንገዲ ንኡስ ዞባታት ክቐርቡ ብዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት፡ ጻዕቂ ከይፍጠር ምእንቲ፡ ምምሕዳራት ንኡስ ዞባታት በብእብረ ክሰድኦም ኣተሓሳሲቡ።

Categories