ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ መደበራት ፈልሲ፡ ኣብ መደባት ምግራብ ዕዉት ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ፡ ዘዝምልከቶም ሓለፍቲ ገሊጾም።

ሓላፊ ኣሃዱ ሕርሻ ኣቶ ኣብርሃም እዮብ፡ ኣብ 2020/2021 ካብ መደበር ፈልሲ ቤት-ገርግሽ ዝተወስደ – ኣስታት 240 ሽሕ ፈልሲታት፡ ብ18 መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት፡ ሃገራውያን ማሕበራትን ካልኦትን ከምእተተኽለ፡ እዚ ከኣ – ካብ’ቲ ብውጥን ተታሒዙ ዝነበረ፡ ብ35 ሚእታዊት ከምዝዛየደ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከባቢ ማይ-ድምነት ኣብ 37 ሄክታር ዝተተኽለን፡ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ካብኡ ዝጸደቐን – ቀላሚጦስ፡ ጃካራንዳ፡ ጽሕድን ኣውሊዕን ዘጣመረ 80 ሽሕ ፈልሲታት፡ ኣካል ናቱ ከምዝዀነ እውን ኣረዲኡ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ኣቶ ሃብተማርያም ኣመናይ ብወገኑ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ መርሓኖ፡ ሕምብርቲን ዓዲሓውሻን ዘለዋ መደበራት ፈልሲ፡ ዝሓለፈ ክራማት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ፈልሲታት ከምዘመቓርሓ ገሊጹ።

ሓላፊ መደበር ፈልሲ መርሓኖ ኣቶ ዘርእሰናይ ከልከለ ድማ፡ ኣብ’ታ መደበር ብዘይካ ፈልሲታት ኣግራብ፡ ከበሳዊ ፍረታት – ከም ሜለ፡ ኩኽ፡ ቡን፡ ዘይቱን፡ ዘይቲ ኣውሊዕን ካልእን ብምድላው እውን፡ ንዞባ ማእከልን ካልኦት ዞባታትን ከምዘከፋፍሉ ገሊጹ።

Categories