ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ቅሮራን ፎሮን፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣብ 11 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ቅሮራ፡ 9 ሓደስቲን 13 ነባራትን ብጠቕላላ 22 ኣመሓደርቲን ኣካየድቲ ስራሕን ከምኡ’ውን 30 ኣነባበርቲ ዓዲ ተመሪጾም።

ኣቐዲሙ ሰፊሕ ጐስጓሳት ከምእተኻየደ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ቅሮራ ኣቶ እድሪስ ዓሊ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣዝዩ ዝምስገን ምንባሩ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ድማ፡ 14 ኣመሓደርቲን 14 ኣካየድቲ ስራሕን፡ ከምኡ’ውን 71 ኣነባበርቲ ዓዲ ከምእተመርጹ፡ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ – ሓላፊ ፕሮጀክትን ምክትታል ዓድታትን ኣቶ ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓራፋ፡ ተመረጽቲ – ኣሚኑ ንዝወከሎም ህዝቢ ብተወፋይነትን ቅንዕናን ከገልግሉዎ ተላብዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምርጫ ምምሕዳር ከባቢ ገብገብ-ዋሳና፡ ብሰንኪ ራሕቂ ናብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ከምእተሰጋገረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories