ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ብ18 መጋቢት – ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ኣመሓደርቲ 16 ንኡሳን ዞባታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ምዕባይ ኣታዊታት ዞባ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ምምሕዳር ዞባ ኣቶ ተኪኤ ቀለታ፡ መደባት ልምዓት ብግቡእ ንምትግባርን ህዝባውን ምምሕዳራውን ኣገልግሎታት ንምሃብን፡ ኣታዊታትካ ምውሓስ ስለዘድሊ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደዘተ፡ ምንጪ ኣታዊታት ምንጻርን ኣታዊታት ኣብ ግዜኡ ከምዝእከብ ንምግባርን ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝነጥፋ ኣካላት፡ ኣብ ኣሰራርሓ – ናይ ሓባር መረዳእታን ውህደትን ከማዕብላ ኣዘኻኺሩ።

ነዚ ንምስማር፡ ምዝገባ ክራይ ኣባይቲ ተጻፊፉ ኣብ ዳታ ክኣቱ፣ ዋንነት ምምሕዳር ዞባ ዝኾነ ኣባይቲ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ፣ ክሳብ ሕጂ ዘይተአከበ ክፍሊት ክራይ ክእከብ፣ ዝዛሕተሉን ብዙሕ ኣድህቦ ዘይተገብረሎምን ምንጪታት ኣታዊ ተለልዮም ብዕቱብ ክስራሓሎም እውን ሓቲቱ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ኣታዊታት ደቂቕ መጽናዕቲ ክግበር፡ ብዕቱብ ክስራሓሉን ናይ ምቁጽጻሩ ኣገባባት ክሕይልን፣ ኣብ ምእካብ ኣታዊታት ዝነጥፍ ዓቕሚ-ሰብ ክሕይል. . . ተላብዮም።

ንነዊሕ ዓመታት ክራይ ገዛ ዘይከፈሉ ስለዘለዉ፡ ዝምልከተን ኣካላት ዕቱብ ምቁጽጻር ክገብራ፣ ፍቓድ ንግዲ ዘለወን ትካላት ዓመታዊ ከሐድሳን ግቡአን ከማልኣን እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ክፍሊት ክራይ ብግቡእ ክቈጻጸሩ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ብደረጃ ዞባ ሓይሊ ዕማም ክትቀውም ምዃና ገሊጹ።

ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ክግምገም ድማ ኣተሓሳሲቡ።

Categories