ኣባላት ማሕበር ወነንቲ ታክሲ ዞባ ማእከል፡ “ብስእነት ደም እትሓልፍ ህይወት ከይትህሉ” ብዝብል ዕላማ፡ ብ16 መጋቢት ብወለንታኦም 70 ከረጺት ደም ለጊሶም።

እቲ መደብ፡ ኣካል ናይ’ቲ ማሕበሮም ዘተግብሮ ዘሎ መደባት ምሕጋዝ ስድራ ስዉኣትን ምግራብን ምዃኑ ዝጠቐሱ ኤሪና ዝተወከሰቶም ኣባላት፡ ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም – ኣባል ክፍሊ ውዳበን ልግሲ ደምን መንእሰይ በረኸት ሃብተጽዮን፡ ኣባላት ማሕበር ወነንቲ ታክሲ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ዝጀመርዎ ናይ ልግሲ መደብ፡ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ብስሩዕ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

Categories