ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓድሽ-ዓዲን ዓዲ-ጋባን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻልን ብምትሕብባር፡ ንመጓዓዝያ ከሸግር ዝጸንሐ፡ ኣካል መስመር ዓረዛ – ማይ-ድማ ዝዀነ ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራ ጸጊኖም።

በቲ ልዕሊ 500 ጉልበት ሰብን 7 ናይ ጽዕነት መካይንን ዘሳተፈ ስራሕ፡ ካብ ምእራይ በራውር ክሳብ እግሪ ዒላ-ዓንዶም – ኣስታት 8 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ ከምእተጸገነ፡ ኣመሓዳሪ ሓውሲከተማ ማይ-ድማ ኣቶ መሓሪ ኣልኣዛር ሓቢሩ።

ብሕልፊ ኣብ እዋን ክራማት ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገም ምንቅስቓሳት – ክቃለል ዘለዎ ትጽቢት እውን ገሊጹ።

Categories