ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብ9ን 10ን መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ናይ 2021 ንጥፈታት ብምግምጋም፡ ኣብ መደባት 2022 ዘትዩ።

ብኣሃዛት ዝተሰነየ በብክፍሉ ዝቐረበ ጸብጻባት ከምዘነጽሮ፡ ኣብ 2003 ኣስታት 4 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፡ ኣብ 2021 ናብ 0.22 ሚእታዊት ክወርድ እንከሎ፡ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ድማ ብሃገር ደረጃ ብልዕሊ 29 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ።

ኣብ ማእከላት ጥዕና ናይ ዝሓረሳ ኣዴታት ብዝሒ’ውን፡ ኣብ 2017 ኣስታት 42 ሽሕ ዝነበረ፡ ኣብ 2021 ናብ 52,639 ከምዝዓበየ፡ እዚ ድማ ናይ 25 ሚእታዊት ዕብየት ምዃኑ ዝጠቐሰ’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መጽንሒ ሓራሳት ተዓቚበን ኩነታተን ክከታተላ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ዝሓረሳ ነፍሰ-ጾራት ብዝሒ እውን፡ ካብ 3 ሚእታዊት ናብ 10 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ ኣብሪሁ።

ንልግሲ ደብ ብዝምልከት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 10 ሽሕ ከረጺት ደም ከምእተለገሰ፣ ካብ’ዚ እቲ 99.92 ሚእታዊት ካብ ወለንታውያን ለገስቲ፣ እቲ ዝተረፈ ካብ ስድራ-ቤታዊ ልግሲ ዝተረኽበ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዓቕሚ ትካላት ጥዕና ብመሳርሒታት ንምጉልባትን ምንጪ ጸዓት ንምውሓስን ድማ፡ 19 ናይ ኣልትራ-ሳውንድን 9 ናይ ኤክስረይን ማሽናት፡ ከምኡ’ውን 62 ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ከምእተመቓርሐ፣ ከምኡ’ውን ትካል መመስርሒ ኦክስጅን ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት፡ ሓድሽ መስመር ኦክስጅንን ስርዓት መዐደሊ ሲሊንደርን ኣብ ሆስፒታል ቪላጆ ከምእተዋደደ ኣነጺሩ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ዝቐረበ ጸብጻባት – ብዛዕባ’ቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎትን ዘሎ ሕጽረታትን ብሩህ ስእሊ ዝህብ ምዃኑ ብምምልካት፡ ዝተረፈ ንምምላእ ጻዕርታት ክሕይል፣ ኣብ ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ድማ፡ ብደረጃ ዓለም እቲ ለበዳ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝበንን፡ ጥንቁቕ ስጒምቲታት ክቕጽል ተላብያ።

ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊሲን ስትራተጂያዊ ውጥን ስራሕን ክሊኒካዊ ላቦራቶሪን ራጂን ምምዕባል፣ ጠለብ ዘመናዊ ናውቲ ምምላእ፣ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ኣገልግሎት ጽዑቕ ክንክንን ምሕጻብ ኰላሊትን ምውዳድ፣ ከምኡ’ውን ንኣገልግሎት ምዕቃብ ደም ዝውዕል ውሑስ ናውቲ ጸዓትን ካልእ መሳርሒታትን ምትእትታው – ኣብ ዝብሉ ናይ 2022 መደብ ስራሕ ተዘትዩን፡ ናይ ሓባር መረዳእታ ተበጺሑን።

Categories