ኣብ ዞባ ማእከል፡ ምስ ክሊማን ሓመድን ሃገርና ዝሰማምዑ፡ ንምትእትታዎም ምስ ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ብምትሕብባር ዝተሰርሓሎም ምሩጻት ኣዝርእቲ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝሃቡ ጨንፈር ልምዓት ብቚሊ ሓቢሩ።

ወኪል ሓላፊ ጨንፈር ኣቶ ኣብርሃም ኣርኣያ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ካብ ዝተባዝሐ ኣስታት 90 ሚእታዊት ስርናይ ዝርከቦ – ልዕሊ 1,700 ኩንታል ምሩጽ ዘርኢ ኣእካል ከምእተኸዘነ እውን ገሊጹ።

ሓረስቶት – ተጠቀምቲ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ክኾኑ፡ እቲ ዘርኢ ካብ ዞባ ማእከል ሰጊሩ ናብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ እውን ከምእተመቓርሐ ብምሕባር፡ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ቀረብን ዋጋታትን ኣበርክቶ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ’ዚ ዓመት እዚ፡ 13,451 ፈልሲታት ናይ ዝተዋሰበ ከበሳዊ ፍረታት – ቱፋሕ፡ ኣቮካዶ፡ ቡንን ካልእን፡ ብርትዓዊ ዋጋ ክዕደል መደብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃም፡ ደለይቲ ካብ መደበራት ፈልሲ መርሓኖን እምባደርሆን ክረኽቡዎ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ እኹል ቀረብ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ኣዳልዩ ስለዘሎ፡ ሓረስቶት ምስ ወቕቲ ዝሳነ ዘርኢ ብምጡን ዋጋ ወሲዶም ክጥቀሙ ድማ ተላብዩ።

Categories