ሃማደኤ ጨንፈር ኩወይት ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባ – ደቡብ ሱዳን፡ 8 መጋቢትኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ደቡብ – ብሉጻት ተመሃሮ ሽልማት “ዒንደማሶ” ተዋሂቦም ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገቡ 388 ተመሃሮ፡ ሽልማት “ዒንደማሶ” ተቐቢሎም።

ብ3 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቶም ካብ 11 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ተመሃሮ፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ነጥቢ ዘመዝገቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ (ደሻላይ) ተሰዊኡ ኣባል ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ ተወልደብርሃን (ደሻላይ)፡ ብ8 መጋቢት ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ – ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍሊ ትምህርቲን፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ህግደፍን ሚኒስትሪ ምክልኻልን፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ትማሊ ረቡዕ 9 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ተሓጋጋዚ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ሚኪኤል ገብረስላሴ (ደሻላይ) ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

“መትከላዊ እምነት፡ ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ፡ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ጸምቢለን።

ኣብ ኩወይት ብ4 መጋቢት ኣብ ዝተወደበ ጽምብል፡ ኣደ-መንበር’ቲ ጨንፈር ወ/ሮ ምልእተ ጽገ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ምኽባር ልኡላውነትን መደባት ህንጸት ሃገርን ንዝገበራኦ ዓቢ ኣበርክቶ ብምጥቃስ፡ “8 መጋቢት ነዚ ጽንዓትን ተወፋይነትን እዚ፡ ዳግማይ ከነመስክር ድልውነትና እነረጋግጸላ ዕለት እያ” ኢላ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊን ኣቦመንበር ማሕበረ-ኮም ኣቶ ሳልም ሳፊን ድማ፡ ታሪኽን ጅግነንትን ከምኡ’ውን ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መድረኻት ዘሐብንን ዘዂርዕን ምዃኑ ብምምልካት፡ መንእሰያት ከምዝወርሳኦ ኣብ ምግባር ብዕቱብ ክስራሕ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ 9,249 ዶላር ኣመሪካ – ንምንባይ ስድራ ስዉኣት፡ መደባት መኸተ፡ ከምኡ’ውን ንምክልኻል ‘ኮቪድ 19’ ተወፍዩ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ሱዳን እውን፡ ብ6 መጋቢት ኣብ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ኩሉመዳያዊ ተራ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ድሕሪ
ምብራህ፡ ኣብ’ዚ ናይ መኸተ እዋን’ውን – ከም ወትሩ ውዳቤአን ኣሐዪለን ተሳትፎአን ከዕዝዛ ኣዘኻኺሩ።

ውዳቤ ሃማደኤ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሰላስሎ ንጥፈታት ንምዕዋት፡ ደገፍ ኤምባሲ ከምዘይፍለዮ ድማ ኣረጋጊጹ።

Categories