ክቡር ፕረዚደንት! ኤርትራ፡ “ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን” ኣብ ዝተሰምየ ንድፈ-ውሳነ A/ES-11/ L1 – ንዝሃበቶ ድምጺ፡ እዚ ዝስዕብ መብርሂ ክትህበሉ ትደሊ።

• ኤርትራ፡ ዘላቒ ዓለማዊ ሰላም ንምውሓስ፡ ኣብ ቻርተር ሕ.ሃ. ሰፊሩ ዘሎ፡ ምኽባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ዝሕመረቱ ብጹእ መትከላት፡ ብኹሉ ወገን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ክኽበር ከምዝግባእ ጽኑዕ እምነት ኣለዋ።

• ድምጺ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ዋጋዕዳጋ ዘይኣቱ ጽኑዕ መርገጺኣ ንሰላም ደጊሙ ዘነጽር እዩ።

መርገጺኣ ኣንጻር’ቲ ኣህጉራዊ ምትፍናን ብምዕራግ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሰፍ ዘይብል ኣደራዕ ዘውርድ ዘሎ ምእህጓር ጉዳያትን ዘየቋርጽ ኣሽካዕላልን እዩ።

ኣብ ክንድኡ፡ ዞባታት ዓለም፡ ፖለቲካዊ ጸገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ባይታን ጽምዶን ክፍጠረለን ሕርያና ምዃኑ ብቐጻሊ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና።

• ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት፡ ንኤውሮጳን ካልእ ዓለምን ከቢድ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ስግኣት እዩ።

ንዲፕሎማሲ ዝያዳ ዕድል ብምሃብ ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልብ ድማ እዩ።

ኣብ ዶባት ቤላሩስ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናት፡ ቅልጡፍን ቅቡልን ስምምዕ ፈጢሩ፡ ኣብቲ ዞባ ጽኑዕ መሰረት ንሰላም ክጸርግ ንትስፎ።

• ኤርትራ፡ ኩሉ መልክዓት በይናዊ እገዳ፡ ዘይሕጋዊን ሓንኳሊን ብምዃኑ ኣትሪራ ትቃወሞ።

ኤርትራ ንክልተ ዓሱረ-ዓመት፡ ግዳይ ናይ ከምዚ
ዝኣመሰለ ስጉምቲታት ምዕራባውያን፡ እንተላይ ሓድሽ በይናዊ ውሳነታት ብምዃና፡ እገዳታት ግድላት ሰላምን ጸጥታን ክፈትሕ ከምዘይክእል ጽቡቕ ገይራ ትግንዘቦ እያ።

ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ንንጹሃን ዝጎድእን መገዲ ሰላም ዜግድዕን እዩ።

• ኣፍሪቃውያን ተቐማጦ ዩክረየን፡ ዶባት ክሰግሩ እንከለዉ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ኣመልኪቱ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ከየጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይግባእን።

ኩለን ሃገራት፡ ነቶም ድሕነቶም ከውሕሱ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ሰባት ዓሌቶም ብዘየገድስ፡ ውሑስ መገዲ ከጣጥሓሎም ንጽውዕ።

• ንምድምዳም፡ ክቡር ፕረዚደንት፡ መሳዂቲ ዲፕሎማሲ ክፉት ኮይኑ ክቕጽል ኤርትራ ዘለዋ ድሌት ደጊመ ክገልጽ እደሊ።

ክልቲኦም ወገናት ፍልልያቶም ፈቲሖም ናይ ኩሎም ረብሓታት ኣብ ዘዕግብ ውጽኢት ክበጽሑ ዓቕምን ክእለትን ከምዘለዎም ንተኣማመን ኢና።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ክልቲኦም ወገናት ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ብሃናጺ መገዲ ክድግፎም ንትስፎ።

የቐንየለይ!

ኣማኑኤል ጆርጆ ምክትል ቀዋሚ ወኪል ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕ.ሃ.

Categories