ዘሎናዮ ግዜ፡ ሓደገኛ ግዜ’ዩ።

ኲናት ዩክሬን ዘስዕቦ ዘሎ ሓዘንን ስቅያትን፡ ብኣጋኡ ክግታእ ዝኽእል ዝነበረን ክግታእ ዘለዎን’ዩ።

እቲ ዝያዳ ዘስግእ፡ ዓለምና ኣብ ኣፈፌት ገዚፍን ሓደገኛን ዕንወትን መቕዘፍትን ትርከብ ምህላዋ’ዩ።

ስግኣትን ተኽእሎን ለበዳ ናይ’ዚ መዓት’ዚ ድማ፡ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኰነን።

ቅልውላው ዩክሬን፡ ሕጂ ዝነተጐ ኣይኰነን።

ቅድሚ 30 ዓመታት ኣቢሉ፡ በቶም “እንኮ-ቁጥባዊ ዓለማዊ ስርዓት ከነንግስ ኢና” ኢሎም ዝተበገሱ ሓይልታት ሃይመናን ጭፍለቓን ዝተኣወጀ’ዩ።

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ነቲ ኲናት ክእውጅዎ ‘ንከለዉ፡ “ጸረ-ሃይመና፡ ቀዳማይ ዕንቅፋት ሩስያ’ያ” ኢሎም ስለዝበየኑ ድማ፡ ንምድራታ (conttainment)፡ ንዩክሬን ከም መሸንቈቛ ተጠቒሞም ን30 ዓመታት ብዘይዕረፍቲ ቀጻሊ ዘመተ ከካይዱ ጸኒሖም።

ዩክሬን፡ ግዳይን ምስምስን ጥራይ’ያ።

እቲ ሕቶ፡ ናይ ሩስያ ወይ ፑቲን’ውን ኣይኰነን።

መኸተ፡ ኣንጻር ሃይመናን ጭፍለቓን ዓለማዊ ምልኪን ብታህዲዳትን እገዳን ዕፈናን፡ ንዓለማዊ ፍትሒን ርግኣትን’ዩ።

ኣህጉራዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ከምኡ’ውን መጻኢ ሰብኣውነት፡ ኣህጉራዊ ሕግን ደንብታት ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መሰረት ኣብ ዝገበረ ጥዑይን ትርኑዕን ብዙሓዊ ስርዓት’ዩ ዝምርኰስ።

እንኮ-ቁጥባዊ ወይ ድማ ዝተጻረደ ዓለማዊ ስርዓት፡ ንመሰረታዊ ዓንድታት ትርኑዕ ብዙሓዊ ስርዓትን ልዑል ባህጊ መብዛሕትኦም ህዝብታትን ሃገራትን ዓለምናን ዝጻረር’ዩ።

እቲ ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋን’ዚ ዘሎ ሓደጋ፡ ንሱ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣስመራ – 4 መጋቢት 2022

Categories