ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ንምስፋሕን ዝነበረ ሕጽረታት ንምምላእን ዝተኻየደ ጻዕሪ እወታዊ ውጽኢት ከምዝሃበ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ብ24ን 25ን ለካቲት ኣብ ዘቃነዖ ገምጋም ስራሕ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴንን ኣመሓዳሪ ዞባ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ግዝያዊ ሓላፊ ናይ’ቲ ጨንፈር ኣቶ መሓመድ ኣንዋር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2021 ኣብ ክኢላዊ ዓቕሚን ንዋትን ብዝተገብረ ዕብየት፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብዓይነትን ብቕዓትን ክብ ከምዝበለ ሓቢሩ።

ብደረጃ ዞባን ንኡሳን ዞባታትን፡ ኣብ ኣገልግሎት ክታበት ዝውዕል ቀረባት ንምውሓስ ብዙሕ ከምእተሰርሐ – ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሸፈነ ክታበት 96 ሚእታዊት፣ ዕደላ ቫይታሚን ‘A’ 89 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ዝጠቐሰ ኣቶ መሓመድ ኣንዋር፡ ኣብ ህዝቢ ሰሪጹ ዘሎ ልዑል ንቕሓትን ምድግጋፍ መሻርኽትን፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ክታበት ዝነኣድ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ።

ተርእዮ ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምግታእ፡ ጌና ጻዕሪ ከምዝሓትት፣ ተርእዮ ሕማም ወይቦ እውን ኣቓልቦ ዘድልዮ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላው፡ ምምሕዳር ዞባ ምስ ኩሎም መሓውራቱ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ገሊጹ።

Categories