ናይ ሎም-ዘመን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – ‘8 መጋቢት’፡ ብደረጃ ሃገር “መትከላዊ እምነት፡ ንመድረኻዊ ግድነት’’ ብዝብል ቴማ፡ ቅጥዕታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ኣብ ግምት ብዝእተወ ኣገባብ፡ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ከምእትዝከር፡ ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ – ሓላፊት ክፍሊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገልግሎት ወ/ሮ ሰናይት መሓሪ ገሊጻ።

እቲ ድሮ ካብ 1 መጋቢት ጀሚሩ ዘሎ ንጥፈታት፡ ሰሚናራት፡ ወለንታዊ ልግሲ ደምን ካልእን ዝሓቘፈ ምዃኑ ድማ ሓቢራ።

ሃማደኤ፡ ሞያዊ ዓቕሚ ኣባላቱ ንምዕባይ ካብ ዝሓንጸጾም ፕሮጀክታት፡ እቶም 90 ሚእታዊት ከምእተተግበሩ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ንዘለወን ብዙሓት ድማ፡ ከከም ዝምባለአን ሞያዊ ስልጠናታት ብምሃብ፡ ከምኡ’ውን ብዓይነትን ብገንዘብን ብምድጋፍ፡ ነብሰን ንክኽእላ ከምዝሓገዘ – በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣረዲኣ።

Categories