ሓረስቶት ምምሕዳር ከባቢ ኣግራዕ – ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ውዳበኦም ብምሕያል ብዘሰላሰልዎ ኣድማዒ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ሎም-ዘመን ብርኩት እቶት ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ክራማት ድኹም ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ኣቐዲሙ ብውሕጅ ዝተበላሸወ ግራውቶም ምክትታል ስለዘይገበሩሉ፡ እቶቶም ትሑት ከምዝነበረ ዝጠቐሱ እቶም ሓረስቶት፡ ሎም-ዘመን ግን፡ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ግራውቶም ብግቡእ ስለዘደላደሉ፡ ፍርያቶም ከምዝሰሰነ ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ እቶም ሓረስቶት – ብዙሕ ተመኲሮ ቀሲሞም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ክረምታዊ ማሕረስ፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን እውን ንኽነጥፉ፡ ኣብ ምስራሕን ምጽጋንን መእለዪ ውሓይዝ ክጽዕቱ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣግራዕ-ላዓልን ኣግራዕ-ታሓትን፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ናይ ሕርሻ መሬት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories