ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ምትእትታው ዘመናዊ መሳርሒታትን ምምዳብ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብን ብዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዓይነታዊ ለውጢ ከምእተመዝገበ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ብ21ን 22ን ለካቲት ኣብ ዝተገብረ ገምጋም፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ተስፋይ ተስፋጼን፡ ለበዳዊ ሕማማት ንምክልኻል ብዝተገብረ ጽዑቕ ክትትልን ቊጽጽርን፡ ኣብ ኣፍዓበትን ገልዓሎን ዝተኸስተ ተርእዮ ሕማም ንፍዮ፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ከምእተወስደሉ ገሊጹ።

ኣብ 2021፡ ክትትል ቅድሚ ሕርሲ ዝገበራ ኣዴታት ብ65 ሚእታዊት፣ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ነብሰ-ጾራት ብልዕሊ 56 ሚእታዊት፣ ሸፈነ ክታበትን ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ን ንህጻናት ብ88ን 96ን ሚእታዊት፣ ተጠቃምነት ዓይኒምድሪ ድማ ብ84 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ፣ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ግና “ገዛና መፍትሕ ኣይነበሮን” ኣደይ ለምለም ዓላ ኣብ መንጎ ልሙድ ንጥፈታቶም ዝታኸሱ ሰባት ኣትለት ግርማይ ናብ ፖድየም ተመሊሱ እታ ዝጠፈአት ሰዓት ንፊዝክስ ዘኽብዶ እንይታይ‘ዩ ትብሉ ብ10.4 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።

ሓለፍቲ ኣሃዱታትን ሜዲካል ዳይረክተራትን ድማ፡ ኣብ ምቊጽጻር ተመሓለላፍቲ ሕማማት፡ ክንክን ኣደን ዕሸልን፡ ምቊጽጻር ለበዳ ሕማም ዓሶን ዓባይ ሰዓልን፡ ፍወሳን መብጣሕቲን ሕማማት ዓይኒ፡ ኣተሓሕዛን ኣዘረጋግሓን ኣፋውስ፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ንዝተገብረ ጻዕሪ ዝምልከት ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ንጡፍ ተሳትፎ ኮም ኣብ ኩሉ-መዳያዊ ንጥፈታት ጥዕና ኣተባባዒ ይኸውን ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምርግጋጽ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ቀጻልነቱ ክወሓስ ኣዘኻኺራ።

Categories